ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ሱዳን ንህወሓት ይኸስስ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ክሲ ይነጽግ


 መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን ጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ)
መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን ጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ)

ብጀነራል ሓምዳን መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን፡ መወዳጋእቱ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን፡ ብናይ ደገ ዕሱባት ገይሩ ይዋጋእ ኣሎ ክብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ከሲሱ። መግለጺ እቲ ኣሃዱ፡ ሰራዊት ኣል-ቡርሃን፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ድጋፍ ወታሃደራት ንምርካብ ክሰርሕ ጸኒሑ ድሕሪ ምባል፡ ከም መቐጸልታ እላሻኡ ድማ “ንኣባላት ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣሰሊፉ ይዋጋእ ኣሎ፡” ኢሉ። መግለጺ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ፡ እቶም ካብ ትግራይ ተሰሊፎም ኢሉ ዝኸሶም ዕጡቓት ብገንዘብ ከም ዝተዓስቡ’ዩ ዝኸስስ።

እቲ ኣሃዱ፡ ካብቶም ብገንዘብ ተዓሲቦም ዝዋግኡ ብዙሓት ምማቶም’ዩ ክጥቀስ እንከሎ፡ ሬሳታቶም ድማ ኣብ ወርሓት ሕድርን ታሕሳስን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓዶም ከም ዝተላእኩ ስለያዊ ሓበሬታኡ ከም ዝረኸቦ ይሕብር።

ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምላሽ ሂቡ ኣሎ። መግለጺ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ “ህወሓት ፖለቲካዊ ውድብ ደኣ’ምበር ናቱ ሰራዊት የብሉን፡” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ክሲ “ፍጹም መሰረት ኣልቦ” ክብል ነጺጉ። ኣስዒቡ ድማ “ብናይ ወጻኢ ምትእትታዋት ዕንወት ዝወረዶ ህዝቢ ትግራይ ሳዕቤን ጣልቃ ምእታው ዝርዳእን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እናሃለወ መጽለሊ ዝኾኖ ሕውነት ህዝቢ ሱዳን ዝፈልጥን ብምዃኑ ብመትከል ዝቃወም እዩ፡” ኢሉ። ንምምላስ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይን ካልእ ጉዳያትን ምስ ፈደራል መንግስቲ ሓቢሩ ይሰርሕ ምህላዉ እውን ኣመልኪቱ እቲ መግለጺ።

ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ክልተ ወገናት ሓይልታት ሱዳን ዝገበሮ ጻዕሪ ዛጊት ኣይቀንዐን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG