ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዕጡቓት ሽውዓተ ሰባት ኣቑሲሎም


ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 26 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ሓላፊ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ከተማ ጋምቤላ፣ ኣቶ ሮን ጎኝ፣ “ግዳያት ናይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሸውዓተ ሰባት ተቐቢልና ንሕክም ኣለና፣ ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ብኸቢድ ዝቖሰሉ እዮም” ክብሉ ኣረዲኦም። ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጋምቤላ ናይ ዝበሃል ተቓዋሚ ውድብ ኣቦመንበር ዝኾኑ ኣቶ ሳይመን ቱት ብወገኖም፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ጋምቤላ ከምዝተፈፀመ ብምግላጽ፣ እታ ኣውቶቡስ 60 ሰባት ፅዒና ካብ ወረዳ ኢታንግ ናብ ከተማ ጋምቤላ ትጎዓዝ ምንባራ ሓቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝፍፀም ዝገለፁ ኣቶ ሳይመን፣ መንግስቲ ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ፀዊዖም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ኣቶ ባጓል ጆክ ድማ፣ መንግስቲ ነቶም ገበን ዝፈፀሙ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓል ይሰርሕ ምህላውን፣ ዛጊድ ናይ 11 ሰባት ኣስማት ምቕልዑን ገሊፆም።ንፈጸመቲ'ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቐይዲ ንምውዓል ሕብረተሰብ ክተሓበበረ'ውን ጸዊዖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG