ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠመተ ኣብ ናጻ ፕረስ ኤርትራ -- “ኣብ ተመሳሳሊ ዓንኬል”


 ጠመተ ኣብ ናጻ ፕረስ ኤርትራ -- “ኣብ ተመሳሳሊ ዓንኬል”
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:58 0:00

ጠመተ ኣብ ናጻ ፕረስ ኤርትራ -- “ኣብ ተመሳሳሊ ዓንኬል”

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ጋዜጠኛታት፡ ዓርቢ 3 ግንቦት ተዘኺሩ ብዝውዕል መዓልቲ ናጻ ፕረስ፡ ዓመታዊ መስርዕ ናጽነት ፕረስ 180 ሃገራት ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት ኣብ ዝተሓተ መስርዕ ማለት መበል 180 ሒዛ ኣላ። ድሕሪ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ኣብዚ ናይ መጨረሽታ መስርዕ ደጋጊማ ተቐሚጣ ኣላ። ንኹነታት ናጻ ፕረስን ዝርጋሐ ሓበሬታን ኤርትራ ኣመልኪትና እምበኣር ኣብዚ ጉዳይ ዝያዳ መብርሂ ንኽህበና፡ ንኣቶ መኮነን ምስግና ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ምሩቕ ስነ-ጋዜጠኛነት ዝዀነ ኤርትራዊ-ጀርመናዊ መኮነን፡ ንዝሓለፉ ኣስታት 30 ዓመታት ኣቢሉ ምስ መራኽቢታት ኣመልኪቱ ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፈደራል መንግስቲ ጀርመን ኣባል ቤት ምኽሪ ጸረ-ዓሌትነትን ኣብ ዶቸ ቬለ ኣብ ዝቐርብ “To the Point” ኣብ መደብ ድማ ስሩዕ ተዛታዪን’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG