ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ፡ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ወጺኡ


ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝተቓንዐ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ፡ ንጋንታ ሶድላ ኲክ-ስቴፕ ዝወዳደር በልጅማዊ ቲም መርሌር ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ናይ ሊድል-ትረክ ጆናታን ሚላን ካልኣይ ኣብ ዝወጽኣሉ ኤርትራዊ ተሰላፊ ጋንታ ኢንተርማሽ ዝዀነ ቢንያም ግርማይ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ።

ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ፡ “ዛዝሚ ሕንጻጽ ቅድሚ ዝተጸበኹዎ ግዜ በጺሕና። ደቂ ጋንታይ ብዝገበሩዎ ኣበርክቶ ተደጊፈ ድማ ነዚ ዓወት በቒዐ ኣለኹ። ሕጉስ’የ ንዝመጽእ ውድድራት ድማ ብተመሳሳሊ ክጽበ’የ፡” ኢሉ።

ኣብ ውድድር ዙር ኢጣልያ 2022፡ ብሰንኪ ዳሕራይ ዘጋጠሞ ሓደጋ ዓይኒ ካብቲ ውድድር ደኣ ይተኣለ’ምበር፡ ኣብ መበል 10 ዙር እቲ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ታሪኽ ሰሪሑ’ዩ። ቢንያም ንመድረኽ ውድድር ዙር ኢጣልያ ዝተዓወተሉ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ምጽዋዑ ይዝከር።

ሎሚ ኣብ ዝነበረ መድረኽ፡ ታደጅ ፓጋቻ ሰለስተ ኪሎሜተር ክትረፎ እንከሎ መጥቃዕቲ ፈንዩ ንጉጅለ ክመርሕ እኳ እንተፈተነ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣይቀንዖን።

ብተዛማዲ ጎልጎል ዝበዝሖ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ ን166 ኪሎሜተር’ዩ ዝሽፍን ነይሩ።

ቢንያም ኣብዚ ሓያል ውድድር ታሪኽ ንምድጋም’ዩ ተዳልዩ መጺኡ ዘሎን ጋንታኡ’ውን ዓቢ ተስፋ ኣንቢራትሉ አላ።

ዙር ኢጣልያ፡ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ካብቶም ዝዓበዩ ስም ዘለዎ ውድድር’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG